Temesghen Yared - Sga Swuat - Eritrean Music 2021 (Official Lyrics Video)

Share
Embed
  • Loading...
  • Published on:  Thursday, June 10, 2021
  • Subscribe -› https://bit.ly/2OEK47Q
    New Eritrean Tigrigna Music 2021 by reason of 20 June, Eritrean National Martyrs Day.

    ሰብ፡ ንህዝቡን ሃገሩን ዘወፍዮ ኩሉ ዓይነት ኣበርክቶ ክቡር እዩ። ብህይወት ብዘይምህላው ዝኽፈል መስዋእቲ ግና ኣዝዩ ዝኸበረን ዝዓዘዘን እዩ። ሰማእታትና፡ ብኽብን ለጠቕን ሃለዋትና ዘይቅየር ሓበን እዮም ኣጐናጺፎምና። ከምቲ ብፍቕሪ ዝወደቑልና፡ ከይተሓለልና ብፍቕሪ ሓደራኦም ከነልዕል ይግባእ። ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስዋኣትና እብል።

    ስጋ ስዉኣት

    መሲሉኒ ሓልዮት ቆጺረ ያኢ ኽኢለዮ ኢለ ሰቲረ
    መቓብርኩም ከየንቀጥቅጥ ቅሰኑለይ ኢለ ዘሚረ፡
    ብደም ኣዕጽምትኹም ዘምጻእኩማ ዓዲ
    መካነ-ዓመጽ ኮይና መካነ-ቔናን ፍርዲ
    መርበብ ሰሪሖምላ መርበብ ተበለጽቲ
    እንቋዕ ኣይትሪኡ ሃለዋት ናብራና
    ናጽነት ትኣክል ሓቚፍና ቖሪርና
    ዘይፍጸም መብጽዓ እናበልዐት ሓደራ
    ጭርሖ ድራራ ኮይና'ላ ኤርትራ
    ኤርትራ!
    ኤርትራ!
    ኤርትራ!

    ብስጋ ስዋኣት እናተማሕለ
    ደቖስዎ ሕድሪ ዘዘልዓለ
    ሕገይ ድገይ መሰለይ ዝበለ
    ተሓፊሱ ኣብ ማእሰርቲ እናሃለ
    ኣርሚምዋ ፍትሒ ኣፋ ሒዛ
    ተዀርምያ'ላ ውሒጣቶ ቓንዛ
    ኣካሉ ኸፊሉ ጅግና ተደርበየ ናብ ዓረብያ
    'ታ ዋዕሮ ኣንበሳ፡ "እህህ!" እንካ በለት፡ ስረ ዘዕጠቐቶ መን ከማይ ምስ በላ።

    ደረት ምስ ተሳእኖ መግዛእቲ ብደዐ
    ዓዲ ኣርሒቑ ወለዶ እናነብዐ
    እኽሊ ኣይወደቖን እቲ ዓውዲ
    ተሓቢኑ ኣይጸገበን ወላዲ
    'ዛ ህያብኩም ሕብንቲ ኤርትራ
    ጋን ኮይንዋ'ሎ ርእሳ ቐቢራ
    ከይቀሰነት ቅሰኑለይ እንክትዝምር
    ደሪባ'ያ ንብዓታ ተጽርር።

    ቅድሚት ሰሪዖማ መውደልደሊት
    ኣድነንዋ ህዝበይ ተጋዳሊት
    ብስልጣኔ ሰማይ ከይትትንኪ
    ወግሐ-ጸብሐ ኣጀንዳ ትርከ-ምርኪ
    ጉድና ኣይውዳእን'ዩ 'ታ በጃኹም
    ዓማጽን ተዓማጽን'ዩ ክሒድኩም
    ንዘይተርፍ ራህዋ ዓደይ ዓዲ ቓልሲ ዓዲ ሰውራ
    ቋንቋኣ ሓንፊጾም፡ ኣይ ዓዲ ኣይ ዓውዲ፡ ኣብ ህልኽ ኣውዒሎማ ሰበይ ምስ ኩሉ ፍቕራ።

    ——————
    ክፍሊ መዚቃ:
    ግጥሚ - ሺሻይ ሽመንዲ
    ዜማ - ተመስገን ያሬድ

    ሙዚቀኛታት
    ኪቦርድን ክራርን - ተመስገን ያሬድ
    ሊድ ጊታር - መርሃዊ ገብረህይወት
    ሻምብቆ - ደስበለ ከሰተ
    ምውህሃድ ሙዚቃ - ተመስገን ያሬድ
    ቀረጻ ድምጽን ማስተሪንግን - ተመስገን ያሬድ ስቱድዮ

    ክፍሊ ቪድዮ
    ተወሳኺ ስእሊ ደራፋይ - ሳሚኤል ሓጎስ
    ኣርታዒ - ናሆም ደበሳይ

    ምስጋና
    ሳሚኤል ሓጐስ
    ግርማይ ተስፋማርያም

    Copyright © Temesghen Yared
    An unauthorised use, distribution, re-upload or transmitted in any form or use without the prior written permission of the publisher is strictly prohibited.
    © All rights reserved. Temesghen Yared.

    Latest Released: https://bit.ly/2RtgiBj
    Popular Videos: https://bit.ly/2yoLMAb

    - - - - - Follow on Social Media - - - - -
    Facebook Page: https://bit.ly/2RnsZ0y
    Twitter: https://bit.ly/2RskzFq
    Instagram: bit.ly/Wediyaredinsta

    #TemesghenYared #WediYared #Eritrea #eritreanmusic #tigrignamusic #tigrinyamusic #temesgenyared #eritreanmovie #eritreanfilm #martyrssong #eritreannewfilm #eritreandrama #neweritreanmusic
  • Source: https://youtu.be/yrtKQXaUR08
Loading...

Comment